By Baire Sereke

ማሕበር ዳንካሊያ

ሽማግለ ማሕበር
ኣቐዲምና ልባዊ ሰላምታና ከነቕርበልኩም ንፈቱ። ኣስዒብና ንኩሉኹም ናይ ዳንካልያ ብጾት ተቓለስቲ ዝነበርና ብኣካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት
ኣብ ከተማ ዳርምሽታት ጀርመን ናይ መራኸቢ ዕድል ተጠቒምና ክንራኸብ ዝጸናሕናን፡
እቶም ብርሕቀትን ብዝተፈላለየ መኽንያታትን ክጥዕመኩም ዘይከኣለ ዝተረፍኩም ዝተናፈቕኩም ብጾት፡ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኹም ሓጎስን
ቅሳነትን ከሰንየኩም ሽማግለ ማሕበር ልባዊ ትምኒታ ትገልጽ። ካብዚ ቀጺልና ከኣ እንሆ ሎሚ ድሮ ልደትን ሓዱሽ ዓመትን ኣቲና ስለዘሎና፡
ርሑስ በዓል ልደትን፡ ናይ ሓጎስን ቅሳነትን ፍቕርን ዓመት ክገብረልና ዓሚቝ ትምኒትና ንገልጽ። ዓሚ ኣብ ዝገበርናዮ ናይ ዳርምሽታት ርኽክባትና ንዓመታ ማለት
ቀጻሊ ርኽክባትና ኣብ ስዊዘርላንድ ከምንገብሮ ተሰማሚዕና ከምዝነበርና ዝዝከር ኢዩ። ብኡ መሰረት እውን ብጻይና ሰመረ ቦታ መራኸቢና ብስእላዊ
መልክዕ ኣብ መርበብና ዘርጊሕዎ ከምዝነበረ ዝዝከር ኢዩ። ቀጺሉ ኣሚቱዎ ከምዝነበረ ከኣ ሽማግለ ማሕበር ዝያዳ ሓበሬታ ከተስዕብ ከምዃና ንዝብል ምርኩስ ጌርና፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ ተለ-ኮንፈረንስ ኣቢልና ሽማግለ ብምልኣት ተራኺብና ኔርና። ኣጀንዳ መዛረቢ፤
ሀ/ ዕለት መራኸቢ ምውሳን
ለ/ ቁጽሪ ኣባላት ምፍላጥ
ሐ/ ገንዘብ ዝእከበሉ ኣገባብ ምውሳን ኣብዘን ልዒለን ዘለዋ ኣርእስታት ብዓሚቝ ተዛቲና፡ ኣብዚ ትሒቱ ዘሎ ውሳኔታት ተሰማሚዕና።

ሀ/ ዕለት መራኸቢ ምናልባት ነቶም ብጉዳይ ፈስቲቫል ከጸግሞም ንኸይክእል ከምቲ ልሙድ ከኣ ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ፈስቲቫላት ስለዝካየድ፡ ኣብ ዕለት 09/10/11/08.2013 ክኸውን ወሲና።

ለ/ ቁጽሪ ኣባላት ብዝምልከት ናይ ወትሩ ጸገምና ምዃኑ ሪኢና። ይኹንምበር እቲ ዝሓሸ ኣብ ዘዘለናዮ ከተማታት ወከልቲ ክንመዝዝ፡ እቶም ወከልቲ ከኣ ብሓላፍነት እቶም ዝኸዱ ሰባት ክሳብ ዕለት 15.02.2013 ንሽማግለ ከፍልጡ ተሰማሚዕና። እቶም ተወከልቲ ኣበየከተማታት ብስልኪ ክንሕብረኩም ኢና።

ሐ/ ገንዘብ ንምእካብ እቶም ኣብ በቦትኦም እንውክሎም ሰባት ሓላፍነት ይወስዱ። ኣብ ስዊዘርላንድ ምስተራኸብና ከኣ ብጥርኑፍ ንሽማግለ የረክቡ።
እቲ እንሕዞ ክፍልታት ብመጠን እንህቦም ቁጽሪ ስለዝኸውን፡ ምምጽኡ ዘረጋገጸ ኣባል ብዝተፈላለየ መኽንያት ምስዝተርፍ እቶም እተወከሉ ሰባት ሓላፍነት ክስከሙ ምዃኖም ተሰማሚዕና።
እቲ ዝተሓዝ ክፍልታት፡ ናይ ሓደ ናይ ክልተ ናይ ኣርባዕተ ዓራታት ኢዩ።
እቲ ዝሓሸ ብዋጋ እቲ ናይ ኣርባዕተ ዓራታት ክፍሊ ስለዝኾኑ መሪጽናዮ ኣሎና።
ዋጋ ንሓደ ለይቲ ንሓደ ሰብ 38 ናይ ስዊስ ፍራንክ ኢዩ። ሓዱሽ ሃበሬታ እንተሃልዩ ብቐጻሊክንሕብር ኢና።

ኣድራሻ ቦታ፡ Auberge de Jeunesse Lausanne Ch.du Bois-de-vaux 36 1007 Lausanne

ደጊምና ርሑስ በዓል ልደትን ናይ ሓጎስ ዓመትን ክገብረልና እናተመኔና ብሰላምን ሓጎስን የራኽበና።

ሽማግለ ማሕበር ዳንካልያ