By Baire Sereke
ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ብጾትን ማሕበር ዳንካልያ
ዝኸበርኩም ኣሕዋተይን ብጾተይን ማሕበር ዳንካልያ፡ እዘን ብሓንሳብ ዝቐኔናየን መዓልታት፡ ብርግጽ ሓጎስ ጥራይ ዘይኮነስ ልክዕ ካብ ወለድኻ ከምትፋኖ ምድፍናቕ ገዲፈናለይ ኢየን። ሎሚ ሰኑይ ናብ ስራሕ ምስወፈርኩ ንድሕሪት ተመሊሰ ናይ ዓርቢ፡ ቀዳምን ሰንበትን ዕላላትናን ጸወታናን ንበይነይ ብተዘክሮ ክደጋግመን ኢየ ውዒለ። ግን ከኣ ከም መጸናንዒ ከምቲ ብሓባርን ብደስታን ዝወሰናዮ ንዓመታ ሓድሽ ቦታ ቀይርና ኣብ ስዊዘርላንድ ክንራኸብ ዝወሰናዮ፡ መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮ ይመጽእ ከምዝበሃል፡ ንዓመታ እናማዕደኹ ተጸናኒዐ ኣሎኹ።
እቶም ብዝተፈላለየ መኽንያት ምሳና ዘይቀኔኹም፡ ኣየ ዝሓለፈኩም። ንሰለስተ መዓልታት ኣእምሮናን ምሉእ ህዋሳትናን ካብቲ መዓልታዊ ሃልኪ የዕሪፍና ኣብ ደቂ ዕስራታት ኢና መሊስናዮ ቀኒና። እንታይlsquo;ሞ ገዲፍና፡ ካብ ዓስቦል ተበጊስና፡ ዋደን መዓባለን ሰጊርና፡ ዓኬሎ፡ ባዳ፡ ስሙቲ፡ ዓሳ-ዔላ ኩሉ ዳህሲስናዮ። ዝሓለፉን ዘለዉን እንፈትዎም ብጾትና ክንዝክሮም ቀኒና። በሉ ንሕጂ ይኣኽለኒ፡ ብዓቢኡ ከኣ ስእልታትና ስዒቡ ክመጸኩም ስለዝኾነ ዝተረፈ መሊኡ ክነግረኩም ኢዩ።
እቶም ምሳና ዝቐኔኹም ከኣ ብሰላም ኣብየ-ዓድኹም ተመሊስኩም ክትኮኑ ተስፋ እገብር።
ደጊመ ናይ ናፍቖት ሰላምታይ እሰደልኩም። ጥዕናን ሓጎስን ኣሰንዩኩም ንዓመታ ብሓንሳብ ክንተኣኻኸብ ምሉእ ተስፋ እገብር።

ሓውኹምን ብጻይኩምን
ባይረ ሰረቐ
06.08.2012