By Zecarias Tzegezab

እቲ ብዓል ድርብ ጠባይ ታሪኹ ከይርሳዕ ጽንዓት ቃልሱን ተወፋይነቱን ሃጉጉ ከይተርፍ ንዘላለም ሂያው ኮይኑ ክነብርን ሕድሪ መልእኽቱ ክነግር ባህታ ይስምዓኒ.አብ ውልዶ ዕድሚኡ ፍቅሪ ስድራበቱ ከይጸገበ ነታ ሰዊት ንእስነቱ ከይበቐቐ ሃገርን ህዝብን ንምድሐን አንጊሁ ዝወፈረ ብጻ ይ ምስጢር ማህደሩ ምሳይ አሎ. እቲ ብእዋኑ ዝሰወደ ኣርሐ ንእንባን አጻምእ ሃሩርን ቀዝሒ ቁርን አሳሒታን ዕጅብ ዘይብሎ ንኹሉ ፈንጢሱ ዝሰገረ ጅግና አርትራዊ ከም ዝነበረ አነ ባዕለይ ምስክር ኢየ.እወ ሕቡን ብጻይ ሎሚ ብድሕሪኡ ንሰናይ ተግባራቱ ን ንጅግንነቱን ተባላሕነቱን ንተጻዋራይ ዓቅሙን ብልክዕ ከንጸባርቆ ዓቕሚ ይሐጽረኒ እንተኾነ ክሳብ ዓቕሚ ዘለዎም ብጾት ተበግሶ ዝወስዱ ን ዝትርኽዎን ዓቕመይ ዘፍቅዶ እጅምሮ አለኹ.ቅድሚ አብ ሕመረት ታሪኹ ምእታወይ ሎሚ ንታሪኽ ቃለሱ ተመሊሱ እንተ ዝዕዘብ ነይሩ እንታይ ኮን ምበለ .ሎሚ ሕብረትተ ሰብ አርትራ ብሕሱም ዲኽታቶር ክሳቐ ብውግ ረብሪቡ ሐነካስን ዕውርን ዝበዝሖ ብጥምየትን ሕማምን ተኻላቢቱ ስድራበታት ተበታቲን ምስ ትዓዘብ እንታይ ኮን ምበለ ንዐና ኸ እንታይ ምበለና . እቲ ነታ እንኮ ሂወቱ ከይበቐቐ ዝወፈየ አሽሓት ብጸቱ መንእሰይት ኢረተራ ዝተኸፍሎ ናጽነት ከምዚ ኮየኑ ምተራፉ ክንደይ ምሓረቐን ምተከዘን ንዓና ንብጸቱ ውን ክንደይ ምንዓቐና ይመስለኒ

ንሕና አሪትራውያን ብፍላይ አብ አውሮጳን አመሪካን አብ ካልእ ምዕቡል ዓለምን እንነብር ዝጠዐምን ዝመቀረን ከነለቓምጽ አብ ዘዝዓመረ ክንስዐስዕን ክንልሀን ጥራሕ ዘይኮነ ስእሊ ዲክታቶር ተሰኪምካ መንአሎ ከማኻ ክብሎን ከጣቐዐሉን ክተምልከት ንክትአምኖ ዘጸግም ስግንጢር ነገር ኢዩ ፣ እወ እቲ አብ ዝተፈላለየ እዋን ዝሰራሕካዮም ቅይን ጅግንነትን ዝገበርካዮ ጥምጥምን ጸላኢን.ምሳኻ ሐቢረ ስለዝዋዓልኩ ሎሚ ጅግንነትካ ትዝ ይብለኒ.ቅዲ እስትራጅኻ ጥራሕ ዘይኮነ ብመዳፍዕን ብሪምሪምን ጸላኢ ከይተደሃልካ ብጉያ ቅድሚ ብጾትካ ክትሀጅም ንሐሽከት ሰራዊት ጸላኢ ብቡንባ ኢድ ክትርዕም አይርሰዖን እየ.እቲ ብሐልዮት ብጾትካ ክትግደስ ክትአልን ንነብስካ ረሲዕካ ንብጾትካ በጃ ዝዂኦንካ ከመይ ገረሞ ክረሰዓካ አብቲ ጽዕጹዕ እዋን ኹናት ንስኻ ጽናሕ አነ ክሐልፍ ክትብለኒ ከመይ ገይረ ክርስዖ .እንተኾነ ሕጂ ኩነታት ሃገርና አብገሃነብእሳት ተቐይራ በሂወት ክርኢዮ ዘሰክፍ ጥራሕ ዘይኮነ ከም ሃገር ምህላውን ዘይምህላውን ደረጀ ተበጺሑ አሎ ከምዚ ከሎ ኢዮም ድማ ገለ ደገፍቲ ዲክታቶር ዝስዕስዑን ዝቐጻጸዩን ንርኢ ዘሎና ብጻይ ናይ ውግእ ዓቕምኻን ቅዲ እስተራጂኻን ውሕሉልን ተዐጻጻፍን ብምባሩ አብቶም ሐቢርና ዝአተናዮም ውግአት ብውሑድ ዐቕሚ ንገዚፍ ሰራዊት ጸላኢ ንስዕሮ ከምዝነበርና ዘይከሐድ ሐቂ ኢዩ. እወ እቲ አብ ዝተፋላለየ ኩናት ሐቢርና \ዝአተናዮ ጅግንነትካ ሎመዓስከር ሎሚ ከዝክሮ ከለኹ ተጋዳላይ ክሳብ ክንደይ ሓያልን ተጻዋራይን ከምዝነበረ ተዝ ይብለካ እቲ እዋንቲ እዋን ማዕበል ኮይኑ ቀይሕ ባሕሪ እና ተሳራሰረ ንጃላቡና ሰነጢቐን ከይመጻ ንሕና ውን ኬይንዕገል ጽንኩር ኩነታት ምንባሩ ጥራሕ ዘይኮነ መራክብ ጸላኢ ውን ይሀድንአን ስለ ዝነበራ ጽንኩር ኩነታት ተፈጢሩ ብዐጸቦ ጥምየት ተጠቒዕና ሀላውየና ንሐደጋ ተቓሊዑ ነበረ. አቲ እዋን ቲ አብራኽና ወለል ኢሌና አካላትና ሚ ትዝ ይብለኒ ውግእ ገብረይቶ ውግእ ብሕታ ባራዓሰሊ ዕዲ ፈራዕፊሮ ወዘተ ትዝታኦም ከመይ ይመስል. ንባዕሉ ውግእ ገብረይቶ እታ ንሰሙናት ብጥምየት ዝተጠቓዕናላ ንሰራሕ ምንቅስቃስን ዝአበያሉ እዋን ሐይልን ዐቕምን ተጸንቂቑ ነበረ.ሽዑ ድማ ኢዩ አብ መዐሰከርና ዝመታ ኣእዱግ ክንበልዕ ዝተገደድና ባሐረኘታትና ውን ኩነታትና ስለ ዘሻቐሎም ንማዕበል ባሕርን ንመራክብ ጸላእን ፈንጢሶም ከድሕኑና ዝተቓለሱ
መራክብ አትየን አስበዛ መጺኡና ምስ ተዓንገልና ንጽባሒቱ ጸላኢ ወፈረሞ ቁሩብ ትንፋስ ረኺብና ስለዝነበርና ንጸላኢ ንምገጣሙ አይተጸገምናን እንተኾነ ሰራዊትና አብ ክልተ ተመቂሉ አብ ነንሕድ ሕዱ እምነት ስለ ዘጉደለ ከምቲ ዝድለ ንጸላኢ ንኽንገጥሞ አይተኻእለን በዚ መስረት ድማ ብዘይ ተወደበ አገባብ ቦታና ክንለቅቅ ተገደድናሞ አብ ሐጺር ጊዘ ቦታና ለቐቕና bdquo; አብቲ እዋን ቲ መረሒና ብጻይ ያቆብ ኢሳያስ ኩነታት ውግእ ሚዛን ብምውሳድ ሐደጋታት ንምጉዳል ሚዛናዊ ሰጉኢቲ ወሰደ አብቲ ብኹሉ ሸነኽ ጠያይቲ መዳፍዐትን ከም ማይ እንዳ ዘነበ ንስውእ ሐሰን ሐንጊሩ እናኸደ አብ ዝባኑ ከሎ ስለ ዝደገምዎ ሂወቱ ዐረፈት ጸላኢ ኩነታትና ብምዕዛብ እንብዛ ደፈረና ሞ ብኢዳዎም ንምሐእና ሀቀኑ እቲ ጅግና ብጻይ ያቆብ ንስውእ ሐሰን ተፋነዩ ነቶም ተወጊእና ዝነበርና እነዳ ተኸላኸለ ካብ ኢድ ጸላኢ አድሐነና.እዚ ኢዩ ኻ እቲ ሐቀኛ ብጻይ ከምዚ ዐይነት ፈሉይ ሰብ ከመይ ታሪኹ ይረሰዕ. እቲ አብ ጽንኩር ኩነታት ብጸቱ ዝሕንግር አብ ገዘየ ኩናት ቅድመኻ ዝአቱ አብ አጻምእ በረኻ ንጣብ መይ ዘይርከቦ ብሐልዮት ብራሽኡ ከፊቱ ነዕኡ ገዲፉ ንብጻዩ ዝህብ ከመይ ገረ ክርሰዖ. እቲ ብውልዶ ዕድሚኡ ንሰውራ ዝወጸ ብጸይ አብ አብኡ ዝበለሐ ጅግንነቱ ጥረሕ ዘይኮነ በተሐሳስብኡ ውን ሐደ ዘበናዊ ፍለስፋ ኢዩ እንተበልኩ ዘ
ጋነንኩዎ አይመስለን bdquo;ብጸቱ ዝምህርን ዝምዕድን ንዝፍጠሩ ሽግራት ክፈትሕን ክእርምን ንሕውስ ጠባዩን ዕላሉን ቁምነገሩን ዘይጽገብ ብሉጽ ብጻይ ምንባሩ ካብ ኣእምሮኻ ዘይሕከኽ ክቡር ፍጥረት ዝርሳዕ አይኮንን.lsquo;ኢዝኒ መሰታ ቀጋሞት ከምዝብሃል አብ ታሪኽ ካልኦት ሰውራታት ጽሑፍ ከም ነምብቦ ወይ ከምንሰምዖ ንጅግንነትን ተባላ ሐትነትን መሳጢ ከምዝነበረ ይዝንቶን ይንገርን አብ ቃልስና ባዕልና ዝወዓልናዮን ብጀጋኑና ዝተሰርሑ ቅያታትን አብ ማህደር ታሪኽ ፍሉይ ምዕራፍ ክህልዎም ይግባእ {ዲክታቶር ኢሳያስ ንሕማቕ ታሪኹ ክሐብእ ንታሪኽ ጀጋኑና ዓቢሱዎ ይርከብ bdquo;አብቲ ቁንጣሮ ዕድመ ገዚፍ ታሪኽ ዝሰርሐ ብጻይ ንመከራን ሽግር ስዒሩ ንህዝብና ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ አብ ናጽነት ዘስገረ ሎሚ ግን ብዲክታተር ዝተቆጽየ ታሪኾም ንደቅና ብልክዕ ክነግሮም ከነታሓላልፎን bdquo;ሕድሪ ብጻይ ድማ ንወለዶታት ክጥዕም ንሶም ግን በጃ ከም ዝኾኑ ክፈልጡሞ ናጽነቶምን ሃገሮምን ክዕቅቡ ንገሮም bdquo;ንአጻምእ ድንከል አዕርዩ ንዘይፈልጥ ብልክዕ እንታይ መስል ክትሕብሮ ከሎኻ ንዝሐለፍካዮም ታሪኽ ንኽአምኖም የነስለኒ #