By Semere Fessehaye
ዝተናፈቕኩም የሕዋት ዳንካልያ ከመይ ትኾኑ?
ድሮ 2012 ዓ.ም. ካልኣይ ወርሓ ኣትዩ እንራኸበሉ ወርሒ እውን
እንዳቐረበ ይመጽእ ኣሎ፡፡
ብወገነይ ድሃይ ካብ ዘጥፍእ ነዊሕ ኮይኑ ጸኒሑ፡፡ ሕጂ ግን ካብቲ ሒዙኒ
ዝጸንሐ ጉዳይ ቁሩብ ኣፋዂሰ ስለ ዘለኹ ቀጻሊ ድሃይ ክገብር ተስፋ ኣሎኒ፡፡
በሉ ሽማግለ ማሕበር እንራኸበሉ ቦታን ዕለትን ሓቢራ ስለ ዘላ እቶም እንመጽእ
ቁጽርና ካብ ምሕባር ዓዲ ኣይንውዓል፡፡
ብእዋኑ ንተወልደ ተስፋይ ወይ ክኣ ንሓደ ካብ ኣባላት ሽማግለ ምሕባር ኣገዳሲ ኮይኑ
ይስምዓኒ፡፡