By Baire Sereke

ሰላም ንኹሉኹም ብጾት
ካብ ብጻይና ዝካርያስ ጸጋይ ዝተጻሕፈልና ሓበሬታ፡ ድሮ ብመንገዲ ኣተወብርሃን ናባይ እውን በጺሑኒ ኢዩ። ሓውናን ብጻይናን ተስፋይ ደልሖ፡ ብኩነታት ጥዕንኡን መናበባብሮኡን ሕማቕ ከምዘሎ ተገንዚበ። ብመንገዲ ኣተወብርሃን ኣቢሉ ከኣ ንናይ ቀደም ብጾቱ ገለ ሓገዛት ሓቲቱ ኢዩ። ይኹን እምበር ብደረጃ ሽማግለ ነዚ ሽግራት ንምቅላል ክውሰድ ዝከኣል ስጉምቲ ቀሊል ኮይኑ ኣይረኣየንን። ኣብ ምርኻብና ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ንምፍታሕ ንጹር ዝቐረበ ሓሳባት ብዘይምንባሩ፥ ሽማግለ ናይ ባዕላ ርእይቶ ወሲዳ ውሳኔ ክትወስድ ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኸብኩዎን። እንተኾነ ግዳ፡ ክሳብ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግራት ስሩዕ ፍታሓት ተገይሩሉ ብሓላፍነት ንሽማግለ ዝወሃብ፡ ከም ፍታሕ ኮይኑ ዝተራእየኒ እቶም ፍቓደኛታት ዝኾና፡ ከከም ዓቕምና ብመንገዲ ኣተወብርሃን ኣቢልና ክንሕግዞ ከምንኽእል ክሕብር እፈቱ። ድሮ እውን ካብቶም ኣብ ቀረባ ዝቕመጡ ብጾት ገለ ተበግሶ ተወሲዱ ኣሎ።

እዚ ተግባራዊ ንምግባር ከኣ በዚ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሱ ዘሎ መራኸቢ ኣቢልኩም ከተሳልጥዎ ይከኣል ኢዩ።

Atoberhan Syum
Konto Nr. 0717269708
BLZ. 60010070
Post Bank Weinheim

ምስ ብዙሕ ሰላምታ

ባይረ ሰረቐ