By Zeru Kineselassie
ዝኸበርኩም ኣሓትን ኣሕዋትን ተጋደልቲ ኣብ ዳንካልያ ነበር።
ብቐዳምነት ንብምሉእኹም ሕውነታዊ ሰላምታይ እናቕረብኩ ነቶም ካብቲ ጽንኩር ቦታ ብህይወትና ወጺና ብኢመልን: ስልኪን: ከኡውን ብኣክል ንራኸበሉ እዋን ኣብቃዓና።
ነቶም ምሳና ዝነበሩ ተጋደልቲ: ንራህዋ ህዝቦምን ንናጽነት ሃገሮም ህይወቶም ዘበጀው ስውኣት ብጾትና ድማ ንዘልኣለም ይዘከሩ።
ኣስዒበ እዛ ትስዕብ ርኢቶ ክህብ እፈቱ
እንድሕር ዝክኣል ኮይኑ ግን: ኣብ ዝመጽእ ዓመት እንገብሮ ርክባት መታን ብርክት ዝበልና ክንራኸብ: እቲ ንራኸበሉ መዓልታት ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት እንተዝኸውን ምሓሸ እብል።
ሓውኹም ዘርኡ ኪነሰላሴ
ኣባል ደሽ ዓስቦል