ህያው ታሪኽ
ህያው ታሪኽ በጾት ዳህሲሰ ንኹሉ ክጽሕፎ ዐቕሚ ከም ዝሐጽረኒ እፈልጥ ፣ ክሳብ ኪኢላታት አህጢርኩም ትጽሕፍዎ አነ ዘሎኒ ዐቕሚ አኪበ ክጽሕፎ እፍትን አሎኹ፣ነቲ ህያው ታሪኹ በቲ መልክዑ ከተንጸባርቖ ዛራ ማይ ቀለም ጎላጉል ባርካውን ዝግንጸል ወረቐት እንተ ዝኸውን አይምአኸለን ይመስለኒ፣
ህዝብና አብ ዐዘቕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝሳቐየሉ ዝነበረ እዋን ካብዚ ሸግር ዚ ንምልቓቐ ሂወቱን ንብረቱን ንምድሐን ዐሸላት ደቂ አርትራ ተለዐሉ፣ ነዚ ክብድህ ክብገስ ከሎ ግን ቀሊሊን አብ ሐጺር ጊዘየ ዝውዳእን ከም ዘይኮነ እፈልጥ ነበረ፣እቲ ጸገም እሱ ጥራሕ አይነበረን ሰውራ ክትጅምር ከሎኻ ዝተጸርገጎደና ዕሩይ ፖለቲካዊ ጉዕዞን ስለዘይነበረን፣ ነዚ አጽፊፍካ ክትምርሽ ናይ ውረድ ደይብ ሕልኽላኽ ጉዕዞ ሳዐበናቱን እዚ ኢልካ ዝውዳእ አይኮነን ስለዝኾነ ድማ አብኡ እንተ ዘይጠሐልኩ ይሕሸኒ፣እዚ ክጽሕፎ ተዳልየ ዘለኹ ሐደ ንእሽቶይ ጭልፋ ካብቲ ገዚፍ ታሪኽ ኢዩ፣እወ ኩለን አውራጃታት አርተራ በጽሐየን ኢየ፣ ዝተፈላለየ መቐረት አለወን ፣ ሐንቲ ካብተን ከዐልለለን ዝደሊ ዘለኹ ዳንካልያ ኢያ፣አዚ ድማ ነቶም ህሮርማ ጸሐይን ጽምእን ተጻዊሮም አብ ብልሒ መላጸ ጠጠው ዝበሉ ጀጋኑ ንምዝካሮም ዝዐለመ ኢዩ፣እቲ50ግራድ አቢሉ ዝበጽሕ ምቖት አየርን ሕሱም ጥምየትን ተጻዊሩ ንጸላኢ ሐነቑ ዝሕዝ ምኩር ጅግና ንዘየቅሱን ገዝያዊ ፖለቲካዊ ጸገማትእናሰገረ ንርሑቕ ብምስትብሀል ንመሰናኽል ጥሒሱ ዘመረሸ አርሐ ኢዩ እንተበልኩበዚሑዎ አይመስለኒ፣ሕጂ አብ ከብዲ አውሮጳ ኮየነ ክዝክሮ ከለኹ ነዚ ተጻዊርካ ንመከራን ሽግርን ጥሒስካ ጩራ ናጽነት ትርእየሉ ዝነበርካእዋን አብ ውግአት ምስ ጸላኢ ክትትሐናነቕ ንብጻይካ ውን ከተድሕን ነቕድሚት ዝሀጀምካ አነ ክሐልፍ ንስኻ ጽናሕ ዝበልካኒ ነታ እነኮ ሂወትካ ከይ በቐቕካ አብ ቅድመይ ክትስጣሕ ክዝክሮ ከለኹ ክሳብ ክንደይ ውፉይ ብጻይ ምኻንካ ንክብርኻ ክገልጽ እፍትን ፣ብጾት ደንካሊይ ንኩናት በሕታ ከተማ ዐሰብ አብቲ እዋን ጥምየት ዝነበረ ውግእ ከባቢ በይሉል ዕዲ ከባቢ አርብለ ጢዖን አየሙን በብሐደ ክዘንቶን መዝገቦም ውን ተዋህለሉ ክትሐዝን ክብሮም ምተዐቀበ፣እወ ታሪክ ወህሉል ናይ ብዙሐት ኢዩ እቶም አብ ታሪኽ ዝጸሐፍ ግን ውሑዳት ሐለፍቲ ኢዮም ብጾት ዳንካሊያ ብኹሉ መዐቀኒታቱ ንሐደ ብጻይ ካብቲ ካልእ ነጺልካ ትርእዮ እካ እንተ ዘይኮነ ዘርዚርካ ዝውዳእ አይኮነን ፣ገለ ፍልይ ዝበለ መለለዪ ዘለዎም ክጥቀስ ግን ይካል ነቲ ዐሙር ታሪኽ ብጾት ዳነካልያ ዝነበሮም ብጻይነትን ምትሕልላይን ሕድሕድ ምጽውዋርን ክትርኢ ከሎኻ ሐቦ ዘስንቅ ንሞራለካ ዘደልድል ስንቂ ቃልሲ ኢዩ፣ብጾት ደንካልያ ከምቶም ሀዋርያት ንድሕነት ደቂ ሰባት ዝሰበኹ ብጾት ድነከልያ ውን ንድሕነት ህዝቦም ነሰላምን ፍቐርን ህዝቢ ክቡር ሂወቶም ስለ ዝኸፈሉ ከም ገንሸል አብርሀም ንነብሶም ንመስዋእቲ ዝሐረዩ ኢዮም ፣መልእኽቲ ዐላማ ብጾት ስውአት እንታይ ነበረ ሸትኡ ዶ ወቒዑ ተሲኦም እንተ ዝርኢዎ እንታከ ምበሉና ፣ንክትምልሾ ዘጸግም አይመስለንን ምኸንያቱ ምምላስ ዝካል ነሩ እንተዝኸውን ንኻልአይ ግዜ ምተሰውኡ፣እወ ንኸምዚ ዐይነት ናጸነት ዘኸሰርናዮም ሸበብ ምስ ጊዜ አብ ሰውራ ብተመክሮ ዝበለሑ ብህድአት ንኩነታ ዝመዝኑ ንቅዲ ኩናት ብብቅዐት ዝህንድሱ ምኩራት ንቅዲ አመገካ ፣ሶቨየት ንእሰራል ዘፍሽሉ ብዝኾነ ገዚፍ ነገር ዘይ ጃጅውነ ዘየድህለሉን ንተሀወስቲ ጸንኩር ነገራትን ብቅለጡፍ አብረብሖኦም ዝቅይሩ ኪኢላታትን ተበላሐትን ኢዩም፣ንሕና ድሕሪ ብጾትና ተሪፍና ዘሎና ብጾት ምርኸብና ሐደ ካብቲ ነብጾትና መዘከሪ ዘከውን ንረብሐናን ይመስለኒ ንቀጻሊ ውን ጽቡቅ መደባት ሰሪዕና አድማዒ ስራሕ ነመዕብል ንኸውን ብጾትና ውን ህያው ይኾኑ ስለዚ ርክብና ነደልድል