By Zecarias Tzegezab

ከመይ ቀኒኹም ብጾትጊዘየ ይቆጽር አሎ ጽነሐኒ አሳልየኒ ትብሎ አይኮነን ድሐሪ ነዊሕ እዋን ምፍልላይ ከምቲ ናይ ዐሚ ምርኻብና ሐደ ጸጋ ኢዩ ክብሀል ይካል .ከመይ ሲ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን ናፍቆት ከም ኡ ውን ተሰኪም ናዮ ዝነበርና ዐላማን ዋላካ ከምቲ ዝደለናዮ አይኹን እንበር ከቢድ ሚዛን አለዎ.ዝሐለፈ ታሪኽና ቀዱስ ምባሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕያውን ተናፋቅን ውን ኢዩ.እወ ቀደም ሐቢርና ክምርሽ ሕድሕድ ክንትሐላለ ነርና ፍቕርን ስኒትን ውን መሊኡ ነይሩ ሎም ትማልን በበይነን ስለ ዝኾና ግን እንሆ ከም ደቂ ዛግራ አብ ፈቀድኡ ተዘሪእና አሎና .እዚ ተረኽቦ ዚ ጸቢብ ናይ ምርኻብ ዕድል ፈጢሩ .እዚ ከም ሻሙ ተቐቢልና ነብስና ከነጻናንዕ ይግብአና .እንተኾነ እዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ምርኻብ ዕድል ተጠቒምና ኽንዳላለ ክንራኸብ ጽቡቕ ዕድል ኢዩ እወ ጸገም ናይ ጥዕና ወይ ናይ ባጠራ ሽግር እነተ ዘይ ሀልዩ ሐቢርና ጽቡቕ ጊዘየ ከነሕልፍ ዐቢ ትጽቢት አሎኒ እምብአር ብጾት ክሳብ ቀጻሊ ብድሐን ቀንዩ ብጻይኩም ዘካርያስ ጸገዛብ