By Zecarias Tzegezab

ክመይ ትኮኑ ጸጋ ፕ ኣናኩም ሰላምን ፍቅርን ዝተመል ኣ ጉኣዞ ክህልወኩም ኣምነ።ዝሐለፈ ርክብና ነቲ ቅድሚ 30 ዐመታት ዝነበረ ናይ ቃልሲ ጊዘየ ኣዘኽኺሩኒ ።ኩሎም ነዋሕቲ እምባታትን ስጣሕ ጎላጉልን ከም ኡውን ኣጻምእ በረኻ ደንከል ኮታ ኣርትራ ብሓሳብ ዝዘርኩዋ ኮይኑ ተሚዑኒ ንኹሎም ጀጋኑ ብዖትና ውን በብሓደ ኣብ ዘዝወድቅዎ ቦታ ንምዝካሮም ፈቲነ ምናልባት ካብተን ዘይርስዐን ቦታት ኣየሙን ዕዲ ፈራዕፊሮ በይሉል ውዘተ። እቶም ምእንቲ ህዝቢ ንታ እንኮ ሂወቶም ከይበቀቁ ንመስዋእቲ ዝሐረይዋ
ሎሚ ንቁሩብ ጊዘ ክምለሱ እንተ ዝከኣል ነይሩ እንታይ ምበሉይ ርግጸኛ ኢየ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ምኽንያቱ ናብራ ህዝብና ክምዚ ክመስል ክሳቀ ክእሰር ክጠሚ ኣብ ፈቅዶ ስሃራ መግቢ ኣሞራ ቀለብ ዓሳ ባሕሪ ክኸውን
እንኻንዶ ንሶም ብሂወት ዘለና ውን ዘይንጽበዮ ነገርኢዪ።እሞ እንታይዳ ምበሉና ።እዚ ተዘክሮ ዝፈጠሮ ናይ ስዋትን ዘሎናን እኩብ ድሙር ናፍቆት ኣሕዋት ንዐይ ንዝዳ ቀጻሊ ርክብና ይዕድመኒ ንሕናውን ኣብ ዐለም ፋሕኢልና ዕድመ ውን ደፊእና ገለና ኣቦታት ገለና ውን ኣባሐጎታት ኮና ንሕና በይንና ደቅናውን ብዘይ ሐውቦ ኣሞ ዘመድ ዘይብሎም ነዕብዮም ኣሎና ምርኻብና ናቶም ምርኻብ ውን ስለዝኽውን ንርክብና ክነዕዝዞ እላቦ ሐውኹም ዘካርይስ