By Semere Fessehaye
ምስጋናይ ንግዝያዊት ሽማግለ ማሕበር ዳንካልያ::
ዝኸበርኩም ኣሕዋት ኣባላት ግዝያዊት ሽማግለ ማሕበር ዳንካልያ: ድሕሪ ሕውነታዊ ሰላምታ ምቕራብ
ዓወት ኣኼባኹም ዓወት ኩልና ኣባላት ማሕበር ስለ ዝኾነ ኣገናዕ ክብለኩም ፍቓድ እሓተኩም::
ግዜኹምን ድኻምኩምን ከይጸብጸብኩም ኣኼባ ብምክያድ ኩሎም ኣባላት መታን ብእዋኑ ናይ
መጻኢ ኣኼባ ቦታን ዕለትን ፈሊጦም ክዳለዉ ምግባርኩም ምስጋና ይብጻሕኩም::
ኣባላት ሽማግለ ዋላኳ ኣብ ሓደ ሃገር ዝነብሩ ይኹኑ'ምበር ኣብ ሓደ ቦታ ንኽራኸቡ ብዙሕ ከም ዝተጓዕዙ ንዝንግዖ ኣይመስለንን::
ካብዚ ብምብጋስ በብወገንና ንሽማግለን ዕማማታን ከነተባዕ ኣገዳሲ ኮይኑ ይርኣየኒ::
ሓውኹም ሰመረ ፍስሃየ