By Baire Sereke
ሓበሬታ
ዝኸበርኩም ዝኸበርክንን ብጾት ማሕበር ዳንካልያ፣
ብቐዳምነት ኣብ ኩሉ ዘለኹሞ ሃገራት ብሰላምን ጥዕናን ንኽትህልዉ ትምኒትና ክንገልጽ ንፈቱ። ሎሚ ዓመት ኣብ ፓሪስ ዝነበረና ርክብ ኣዝዩ ዘሐጉስ ከምዝነበረ ደጋጊምና ከምዝገለጽናዮ ዝዝከር ኢዩ። ካብቲ ኣዝዩ ደስ ዘበለና ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሓደሽቲ ብጾትና ክሕወሱና እንከለዉ ኢዩ።
ናይ ዓመተ-2020 10ይ ዓመት ርክብና እምበኣር መዓልት ፈሊና ቦታ ሒዝና ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።
Jugendherberger Karlsruhe
Moltkestr.24
76133, Karlsruhe
እንራኸበሉ ጊዜ፣
ካብ ዕለት 30.07.2020 ክሳብ ዕለት 02.08.2020
ሓሙስ ምሸት ተደሪርና ምድቃስና ናብኡ ኮይኑ፣ ሰኑይ ንግሆ ቆሪስና ምፍናውና ኢዩ ማለት ኢዩ። ስለዚ ንኣርባዕተ ለይቲ መደቀሲ ሒዝና ኣሎና። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ንሓደ ሰብ 160 ኦይሮ ኢዩ። ኣከፋፍላ ብዝምልከት ብሓደ ጊዜ ወይ ከኣ በቢ 40 ኦይሮ ኣብ 4ተ ወርሒ ክሳብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብዚ ትሒቱ ዘሎ ባንክ ሕሳብ ከነመሓላልፍ ብትሕትና ንሕብር። ኣብ ዕለት 01.05.2020 ናይቶም ዝኸፈሉ ጥራይ ቦታ ከምንሕዝ ኣቐዲምና ክንሕብር ንፈቱ።
ሕሳብ ናይ ባንክ፣
Name Tewelde Tesfai
Account Nr. 9640183567
IBAN DE46604200209640183567
ብሰላም ዓቚሩ ገጸ-ገጽ የራኽበና።
ሽማግለ ማሕበር