መዘኻኸሪ
ዝኸበርኩም ማሕበር ዳንካልያ
ብመጀመርያ ኣብ ኩሉ ጥዕናኹምን መዓልታዊ መነባብሮኹምን ምስ ምሉኣት ስድራቤትኩም ኣብ ሰላምን ቅሳነትን ንኽትህልዉ ዘሎና ትምኒት ክንገልጽ ንፈቱ። ኣስዒብና ድማ፣ እንሆ ሎሚ ኣብ ድሮ ምፍናው ዓመተ-2018 ኣቲና ኣሎናሞ፣ 2019 ከኣ ናይ ጥዕና፣ ሰላምን ሓጎስን ክትገብረልና ትምኒትና ንገልጽ።
ኣቕድም ኣቢልና ብዛዕባ ዓመታዊ ርክብና ኣብ ከተማ ፓሪስ ሓቢርና ከምዝነበርና ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ ዘመሓላለፍናዮ መልእኽቲ እቲ ኣገዳሲ ሸነኹ፣ ክሳብ ሕጂ ኣብ ተግባር ኣይወዓለን ዘሎ። ናይ ሽዑኡ መልእኽትና፣ እቲ ብግምት መስተናገዲ ቦታ ተታሒዙ ዘሎ ናይ 25 ሰባት ጥራይ ኢዩ። ተሳታፍነትና ካብዚ ቁጽርዚ ምስዝድይብ ወይ ዝጎድል ንምትዕርራዩ ክሳብዚ መወዳእታ ዓመት ጥራይ ኢዩ ዕድል ዘሎና። ብዝተረፈ ግን ኣብ ሓድሽ ዓመት በቲ ዝቐረበልና ቁጽሪ ተሳተፍቲ ጥራይ ከምዝተሓዝ ሓቢርናዮ ዝነበርና፡ ክሳብ ሕጂ በቲ ኣብቲ ሕሳብ ተኸፊሉ ዘሎ ገንዘብ ሰለስተ ሰባት ጥራይ ከምዝበጽሑ ሪኢናዮ ኣሎና። ስለዝኾነ እቲ ምድንጓይና ብነርክበሉ እንተኾይኑ እንሆ ድሮ ኣርኪቡ ኣሎ። ስለዚ ዋላ ሕሳብ ኣብ ባንክ እንተዘይ ኣመሓላለፍኩም፣ ክሳብ እዚ ተባሂሉ ዘሎ ዕለት ተሳታፍነትኩም ክትሕብሩና ብትሕትና ነተሓሳስብ።
;ኣነ ኣለኹ; ዝብል፡ ብመንገዲ whatsapp ወይ ብኻልእ ዝጥዕመኩም ክትሕብሩና ትኽእሉ ኢኹም።
ምስ ብዙሕ ሰላምታ
ሽማግለ ማሕበር