By Baire Sereke
ዝኸበርኩም ናስ ዳንካልያ
ኣብ ዘዘለኹሞ ኩርንዓት ዓለም፡ ምስ ምሉኣተ ስድራቤተኩምን ፈተውትኹምን፡ ኣብ ጥዕናኹምን መነባብሮኹምን ኣብ ሓጎስን ቅሳነትን ክትህለዉ ሽማግለ ማሕበር ልባዊ ትምኒታ ትገልጽ። ብምቕጻል ብዛዕባ ናይ ዝመጽእ ዓመት 2018 ምርኻብና ኣብ ሃገረ-ሽዌደን ከምቲ ልሙድ ዓርቢ ብድራር ጀሚርና፡ ሰኑይ ድሕሪ ቁርሲ ፈነዋ ኢዩ ማለት ኢዩ።
1. ንራኸበለሉ ዕለት 27/28/29 07.2018
2. ምሉእ ኣድራሻ፡ Angora Hotel and Spa.Roterbergs Vagen 11-13 Sollentuma Stockholm
3. መጓዓዝያ ብዝምልከት፡ ብመካይን፡ ባቡር ይኹን ባሕሪ ጉዕዞ፡ ናይ መኼድን መምለስን ብዘይካተን 3ተ መዓልቲ እንራኸኸበለን ተወሳኺ 4ተ መዓልቲ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ። ከም ኣማራጺ፡ ኣብ ከባቢ ጀርመን ንዘለዉ
ካብ ሕጂ ብኣግኡ ምስ ዝተሓዝ፡ ብኣየር ንሓደ ሰብ 150,-euro; ኢዩ። እዚ ኣማራጺዚ ናይ 4ተ መዓልቲ ጊዜ ምቑጣብ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዋጋውን ብዙሕ ፍልልይ ዘለዎ ኣየኮነን። ኣብ ካልእ ቦታታት ዘለኹምውን ኣጣይቑ።
4. ናይ ሆቴልን ክንክን መግብን ዝኽፈል ንሓደ ሰብ 150,-euro; ኮይኑ፡ ሽማግለ ነዚ ብኣግኡ ንምእካብ ሓደ ፍሉይ ሕሳብ ባንክ ከፊታ ኣላ። ስለዚ ካብ ሕጂ ጀሚርና በብቁሩብ ወይ ብምሉኡ ክሳብ ዕለት 30.04.2018 ኣብዚ
ስዒቡ ዘሎ ሕሳብ ጠቕሊሉ ክኽፈል ነተሓሳስብ። ኣብ ዕለት 01.05.2018 ነቲ ግምት ሓዚእናዮ ዘሎና ቦታ፡ ብመጠን እቶም መሊኦም ዝኸፈሉ ከነስተኻኽሎ ዕድል ተዋሂቡና ከምዘሎ ክንሕብር ንፈቱ።
5. ሕሳብ ባንክ፥
ተቐባሊ Tewelde Tesfai
ስም ባንክ TOP GIRO
ቁጽሪሕሳብ 9640183567
IBAN DE46604200209640183567
ምስልባዊ ሰላምታ
ሽማግለማሕበር