By Baire Sereke

ዝኸበርኩም ናስ ዳንካልያ

ደይ ወርሕያ ተሪፋትና ዘላ ብኣካል ምርኻብና መኣስ ይተርፈና ኮይኑ፡ ሰላምታ ሽዑኡ ነርክበሉ ኢለ ጸኒሐ። በዚ ሓደ ሸነኽ ቃል ብጾተይ ሽማግለ ከዕብር ኣይደሌኹን፡ በቲ ካልኣይ ሸነኽ ከኣ፡ ሰላምታኸ እንታይ ዝውድእ ኮይኑ ሓቆም ኢዮም ኢለ ሓሳበይ ቀይረ። ብጾት ናስ ዳንካልያ ከመይ ቀኒኹም። ዕለት 12 እንሃ ተቐልቂላ'ሞ ብሰላም የራኽበና። እቶም ብኣካል ምሳና ንኸይትውዕሉ ብራሕቂ ይኹን ብጸገም ዘይከኣልኩም ከኣ ኣብዘዘሎኹሞ ብመንፈስ ምሳና ክትውዕሉ ሽማግለ ብልቢ ትምነ። ናይ ጠብቕ ጊዜ ይቀራረብ ስለዘሎ እኹል ዕላላት ምጥርናፍ ኣይትረስዑ።

ብሰላም የራኽበና

ሽማግለ ማሕበር