By Goitom Mebrahtu
ሰላም ብሓበራ፡
ዕድለኛ ኮይነ ክሳብ ሎሚ ጸኒሐ። ምስ ብዙሓት ኣብ ግዜ ዘኹርዕ ታሪኽ ሂወተይ ዝፈለትኩዎምንዘልዓሉኒንጥራይዘይኮነስ፡ብዘይ ብእኦምእውን ብሂወት ዘይምሃሎኹ ብጾትብኣካል ተራኺበ ክርኢ ደስ ከም ዝበለኒ ኣብቲ ቦታ ሓቢረን ክሳብ ሕጂ ቀዝሕዝሕ ዝብለኒ ዘሎን እዩ።
ከምቲ ገሌኹም ድሮ ዝበልኩሞ ዝጭበጥ ስራሕ ብሓበራ እንተፈጸምና መጀመርታና ኣይኮነን እሞ ሃየ፣፡ ካብኡ ዝተረፈ ከኣ ከም (ኣብ ትሩብሊ) ብዙሕ ሕማቕን ጽቡቕን ዘሕለፍና ወይ እውን ኣብ ሓደ መድረኽ ታሪኽ ቃልሲ ህዝብና ናይ ሓባር ተሞክሮን ተወፋይነትን ዘርኤና፡ ብናይ ሓባር ታሪኽና እናተሓጎስና፡ ኣብቲ ዘፈላልየና ከይጠመትና ኣብቶ ዘራኽቡና ኣትኩርና ንራኸብ፡ ንተሓጎስ፡ ንከባበር፡ ንስሓቕ፡ ንበጻጻሕ፡ ንዝሞተ ድማ ኣገዳሲ ክፋል ናይ ታሪኽ ሂወቱ ምሳና ስለ ዘሎ ንንገረሉ። ዝተሰውኡ እናዘከርና ድማ ሕድሪ ኣይንረስዕ ዋላ እካ ንዝተፈላለና ዝተፈላለየ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል ይኽውን ንሱ እውን መሰል እዩ።
ምስጋናይ ንኹሎም ነዚ ሰናይ ተግባር ሂያው ዝገበሩን ንሓው ሰመረን ቀጻሊ ኮይኑ ኣሎ።
ምስ ኩሎኹም እንደገና ብ ኣካል ክራኸብ እናተመኔኹ ሰላምታይ ተቐበሉለይ።
ጎይትኦም መብራህቱ