By Semere Fessehaye
ዝተናፈቕኩም ብጾት ዳንካልያ፣ ከመይ ትኾኑ።
ኣቐዲመ ንኣባላት ሽማግለ ማሕበር ዳንካልያ መራኸቢና ቦታ ንምርካብ ዝገበርኩምዎ ጻዕሪ ኣብ መፈጸምታ ስለ ዝበጽሐ እንኳዕ ጻማኹም ረኸብኩም እብል።
ዝክኣል እንተኾይኑ ዋጋ እንተትሕብሩና ጽቡቕ ነይሩ።
ቀጺለ ኽኣ ብጻይና ተጋዳላይ ወረደ ገብረመስቀል (ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብር) ዝልኣኾ ናይ ዳንካልያ ስእልታት ኣብ ወብ ሳይትና ኣስፊረዮ ኣሎኹ።
ንምርኣዩ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዝርከብ መንገዲ ተኸተሉ።
-
ኣብ DARMSTADT 2010 ዝብል ኣርእስቲ ወብ ሳይትና ትኸዱ።
-
ኣብዚ ኣርእስቲ እዚ ካልእ ንኡስ ኣርእስታት ኣሎ። ካብዚ ንኡስ ኣርእስታት ክኣ ነታ PICTURES-1 እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ትጥዉቑ።
-
ናብ ዝተፈላለየ ኣልቡማት ክትመጹ ኢኹም።
-
ካብዚ ኣልቡማት ኣዚ ነታ Denkel E.L.F. 1978 ትብል ትጥዉቑ።
-
እተን ናይ መጀመርያ ኣርባዕተ ስእልታት ካብ ወረደ ዝተላእካ እየን።
ብጻይ ዘካርያስ ዝጽሓፎ ግጥሚ ንዝተሰውኡ ብጾትና ብምዝካር ሕንቕንቕ ኣቢሉኒ።
ብጻይ ዘካርያስ፣ ዓድና ኣቲና ኣብቲ ብጾትና ሂወቶም ዝኸፈሉሉ ቦታታት ብምኻድ፣ መስዋእቶም ህያው ክንገብሮ ዘሎኒ ትምኒት ዓቢ እዩ።
ዓድና እንኸደሉ ጊዜ ምስ ህላወ ናይ ሓድ ውልቀ ሰብ ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ ኽኣ ኣብ ቀረባ እዋን ክኾነልና ተስፋ እገብር።
ሓውኹም ሰመረ ፍስሃየ።