By Zecarias Tzegezab

ተዘኪሩኒ
ፍጹም ዘይዓጅበካ ናይ መዳፍዕ ሂምታ
እቲ ኩሉ ቶኽሲ ናይ ቢሪምሪም ማሕታ
ብመርየት ብሰማይ ናይ ሐዊ ሃልሀልታ
አብ ግዘየ አርክብ እዋን ሃታሃታ
አብ ውሸ ጠን ክትአቱ ብሰላሓታ
በብሐደን ብድርብን ክትስሕባ ንቃታ
ዓይንኻ ክትጸቅ ጥ ክትሃርም ጨመታ
ጅግንነትካ ርኤዮ ክትድርቅም ብዝግታ
ፋሕ ብትን ክአትወን ክኸውን ዋይዋይታ
ብአኻ ኮሪዐ መሊኡኒ ደስታ
ንኩሉ ትጻወር ሃሩር አሳሒታ
እቲ ኩሉ ካሕ ጉም ናይ ቶኽሲ ጫውጫውታ
አብቲ ጹንኩር ጊዘተርኢ ፍሽኽታ
አብ ውግእ ገብረይቶ ስርሒት ናይ ብሕታ
ህጁም ናይ አየሙን ገዲፋ እህህታ
ጀጋኒ በሊዓ ሕማቅ ዛንታ
ንፍርሒ ሰዒርካንቅድሚተት ጎይኻ
ንስኻ ሐሊፍካ ምእንቲ ህዝብኻ
ቃላት አይረኸብኩን ዝገልጽ ባህርኻ
ሂውትካ ከፊልካ ፈጺምካ ግቡእካ
ወትሩ ክዝክር ታሪኽ ጅግንነትካ