By Baire Sereke
ምርኻብና ዓመተ 2016

ናብ ዝተናፈቕኩም ማሕበር ዳንካልያ
ብመጀመርያ ብሰላምን ጥዕናን ኣብዚ ሓድሽ ዓመት 2016 ተሰጋጊርኩም ክትኮኑ ሽማግለ ትምኒትና ንገልጽ። ኣስዒብና ኣብ መነባብሮኹምን ጥዕናኹምን ምስ እትፈትዉዎም ስድራ-ቤትኩም ጽቡቕ ንኽትህልዉ ንምነ።
ዝኸበርኩም ብጾት፡ ሎሚ ዓመት መራኸቢና ቦታ ካብ ፍራንክፎርት ኣስታት 12 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ወረዳ ታዉኑስ ውቅብቲ ከተማ ሆምቡርግ እትበሃል ኢያ። ዳርጋ ኩሉ ቦታታት ኣብቲ ዝደሌናዮ እዋን ትሑዝ ስለዝነበረ ኣብ ገማግም ተስፋ ምቑራጽ በጺሕና እናሃሎና፡ ዝበለጸት ቦታ ብምርካብና ተቐሊትና ክበሃል ይከኣል።
እንራኸበሉ ጊዜ፥
ዓርቢ ዕለት 12.08.2016 ምሕዳርና (ድራር) ቀዳምን ሰንበትን ምሉእ ፐንስዮን ሰኑይ 14.08.2016 ድሕሪ ቁርጺ ምፍናው ኢዩ። ሎሚ እውን ከምቲ ዝሓለፈ ተሳተፍቲ ብልክዕ ፈሊጥና ክንሕዝ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፡ ብግምት ናይ ዝተወሰነ ቁጽሪ ንጊዚኡ ሓዚእና ኣሎና። ዘይተደላዪ ወጻኢታት ምእንታን ከይንገብር ምስቶም ዋናታት በዚ ዝስዕብ ተረዳዲእና ኣሎና። ክሳብ ዕለት 15.04.2016 ዝተጻፈፈ ናይ ተሳተፍቲ ኣባላት ክንቅርብ፥ ነቲ ሓርፋፍ ቁጽሪ ሂብናዮም ዘሎና ብኸፊል ክንስርዝ ወይ ክንውስኽ ዕድል ኣሎና ማለት ኢዩ። ስለዚ ንሎሚ ዓመት ንብላሽ ዝኽፈል ገንዘብ ኣይክህሉን ኢዩ። እዚ ማለት ክሳብዛ ተባሂላ ዘላ ዕለት ክትሳተፉ እትደልዩ ብጾት ብመንገዲ ኢ-መይል ወይ ንዝኾነ ኣባል ሽማግለ ብስልኪ ተሳታፍነትኩም ክትሕብሩ ኣጥቢቕና ነማሕጽን። ኣብ ዕለት 15.04.2016 ናይቶም ክመጹ ዘረጋገጹልና ኣባላት ጥራይ ቦታ ክንሕዝ ምዃና ክንሕብር ንፈቱ።


ምስ ምሉእ ጥዕናን ሓጎስን የራኽበና
ሽማግለ ማሕበር

መራኸቢና ኣድራሻ፡

Address