By Semere Fessehaye
ዝተናፈቕኩም ብጾት ዳንካልያ ከመይ ትኾኑ?
ግዜ ይጎዪ ኣሎ። ምስኡ ኽኣ እቲ ዕድሜና ማለት እዩ።
በሉ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝኸውን ግዜ፣ ከመይ ከም ዝነበርና ንምርኣይ ዝሕግዘና ቪደዮ ናይ መርዓ ጓሎም ንየሕዋትና ኣማኒኤልን ትርሓስን
ኣብ ወብ ሳይትና ኣስፊረዮ ኣሎኹ። ኣብታ ቀዳመይቲ ገጽ ኢኹም ትረኽብዋ።
ናይ መርዓ ስእሊ ዝነበረታ ቦታ በዛ ቪደዮ ተኪኤያ ኣሎኹ።
ሰብ ኮቦሮ ነብስኹም ንኸተለልዩ ሽግር ኣይክህልወኩምን እዩ። ሰብ ክዳን ሓበሻውን ከምኡ።
ነቶም ዝተረፍና ነብስና ሃሰውሰው ኢልና ንኽንረኽባ ሃየ ኣይንሕመቕ።
ሓውኹም ሰመረ