By Semere Fessehaye
ዝተናፈቕኩም ብጾት ዳንካልያ ከመይ ትኾኑ?
ኣብ መንሃይም ተራኺብና ዝሓለፈ ጉዕዞና ዘኪርና ካብ ንስሕቕን ነስተንትንን ድሮ ካብ ክልተ ወርሒ ንላዕሊ ኮይኑ።
ከም ትዝክርዎ (እቶም ኣብ መንሃይም ዝውዓልኩም ማለተይ እየ) ጓል ብጻይና ንጉሰ ካብ ሰሜን ኣሜሪካ መጺኣ ምሳና ተሳቲፋ ነይራ።
ናታ ምምጻእ ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ብዙሓት ብጾት ኩነታት መውጋእቲን ናይ ባሕሪ ጉዕዞን: ናይ ንጉሰ ኣስፊሖም ምስ ገለጹልና
ንብዓት ቁጽርጽር ዘየበለ ኣይነበረን እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን።
በዚ ኣጋጣሚ ንጉሰ ሓደ ኣርባዕተ ስእሊ ሊኢኹ ስለ ዝነበረ :-
  1. ሓንቲ ካብተን ስእልታት ኣብታ ቀዳመይቲ ገጽ ምስተን ካብ ጸጋም ንየማን ካብ የማን ክኣ ንጸጋም ዝመላለሳ ስእልታት ኣስፊረያ ኣሎኹ።
  2. እተን ዝተረፋ ኽኣ ምስቲ ናይ መንሃይም ስእልታት ኣብቲ ናይ መልኣከ ወዲ ቐሺ ዝስኣሎ ስእልታት ሰፊረን ኣለዋ።
ኣብ መወዳእታ ኽኣ ወላኳ ኩሉና ንፉዓት ንኹንምበር ገለ ብጾትና ሕልፍ ዝበለ መንፍዓት ስለ ዘይስኣኖም: ኣረፋይና ወዲ መስፍን ንጓል ንጉሰ ናይ ነፋሪት ወጻኢ
ባዕሉ ኪኢሉ ንፈረንሳ ከዛውራ ስለ ዝመጸ ምስ ገባር (ገብሪሂወት ገብረሚካአል) ኮይና ተቐቢልና ፓሪስ ኣዛዊርናዮም።
ብሰላም ክኣ ነናብ ቦትኦም ተመሊሶም።

ወድሓንኩም።

ሓውኹም ሰመረ ፍስሃየ