By Semere Fessehaye
ዝኸበርኩምን ዝተናፈቕኩምን የሕዋት። እኼባ ድሕሪ ምውድኡ ብሰላም ኣኣብ ቦታኹም በጺሕኩም ንኽትኮኑ ተስፋ እገብር።
2015 ዓ.ም. ካብተን ዝሓለፋ ዓመታት ፍልይ ዝበለት ትመስል። መፍለይኣ ምኽንያታት ክኣ ከምዚ ዝስዕብ ኮይኑ ይርኣየኒ።
  1. ኣብዛ 2015 ዓ.ም ሰለስተ ካብ ኣብ ዳንካልያ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝተወልዱ ደቅና ዝምርዓዉላ ዓመት ምዃና። ንሳቶም ክኣ :-
    1. ብዕለት 25-07-2015 መርዓ ጓሉ ንሓውና ኣማኒኤ ኣብ መንሃይም ጀርመን።
    2. ብዕለት 25-07-2015 መርዓ ጓሉ ንሓውና ዓንደብርሃን ገብረ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ሰመን ኣመሪካ። ተጋዳላይ ዓንደብርሃን ኣብ 1979 ምስ ተጋዳላይ በኺት ሑሰን ንደቡብ ምስ መጸ ኣብ ሕክምና ንሰመን ደንከል ተመዲቡ ዝኸደ እዩ። ኣብ ሰመን ደንከል ምስ መጻና ድሕሪ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ኣብ ብርጌድ 64 ኣብ ሕክምና ነይሩ።
    3. ንዕለት 12-09-2015 ኤፍረም ፍትዊ ወዶም ንብጻይ ስዉእ ፍትውን ብጸይቲ ጽሃይቱን ኣብ ኤድመንቶን ዝተባህለት ከተማ ካናዳ ክምርዓው እዩ።
  2. ኣብ መንሃይም ተኣኪብናሉ ኣብ ዝነበርና ብዙሕ ብዛዕባ ኣብ ዳንካልያ ዝነበረ ኩነታት ከነዕልል ኪኢልና።

ብዙሕ ከየናዋሕኩልኩም ንመርዓ ኤፍረም ፍትዊ ዝምልከት ሓበሬታ ኣብ ቀዳመይቲ ገጽ ብስእልን ጽሑፍን ኣቕሪበዮ ኣሎኹ።
እቶም ኣብ መርዓ ኤፍረም ፍትዊ ክትሳተፉ ዕድል ዝረኸብኩም ብጾት እዛ ሓበረታ ትጠቕመኩም እያ ዝብል ትጽቢት ኣሎኒ።
ስእልታት ካብ መልኣከ ወዲ ቐሺ መጽዩኒ ኣሎ ኣብ ወብ ሳይትና ከስፍሮ እየ።