By Ghebrihiwet Abu Ashera

ኣገናዕ ንተበጉሶ ማሕበር ደንካልያ

ብቐዳምነት ዝከበርኩም ዝከበርክን ብጾት ልዕሊ ኩሉ ኣምላኽ ዕድመን ትዕናን ሂቡ ናይ ቀደም ብጾት ብኸምዚ መልክዕ ሃለዋትና ድሃይ ሕድሕድ እንፈለጠሉ መገዲ ብምርካብና ምስጋና ይብጽሓይዮ ንሉዑል ፈጣሪ። ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ ክምስጎኑ ዘለዎም ብጾት ክኣ ነዚ ማሕበር ክምስረት ሓሳብ ዘቅረቡ ምስጋና ይብጻሓዮም፤ ሓው ሰመረ ፍስሓየ ክኣ በቲ ኑኡድ ዋሕላል ክእለቱን ግዚኡ ከይ በቐቐ ንማሕበር ደንካልያ ዝነበረ ታሪኽ ብጻይነት ከይሃስስ ብምባል መቃልስቲ ምእንቲ ክራኸቡ ዝወሰዶ ሓላፍነት ብተግባር ስለ ዘመስከረ ትኣምኖ ሊኢኽካ እንታይ ተረፈካ ከም ዝባሃል እምነት ብጾቱ ከይ ኣጉደለ ብጽፈት ኣብ ወብሳይድ ብምስርሑ ዝላዓለ ምስገና ይብጽሓዮ።

ዝኸበርኩም ብጾት ማሕበር ተመስርቱ ድሃይ ሕድሕድ ተፋሊጥና ማሕበርና ኣብዚ ተሓጺሩ ከይ ተርፍ ኲኖ ርክብና ተሳጊርናዮም ብመስዋእቲ ተፈለዩና ንዖኦም ዘቅስን ሓሳባት ኩላትና በብዘለናዮ ምኣዝን ክፍለ ዓለም ናይ ደሃይ ደቆምን ወሎዶምን እንታይ ንግበር ዝብል ሓሳብ እኩብ ድምር ናይ ኩላትና ናይ ሕልና ቅሳነት ክሓድረና ምእንቲ ዓቢ ግደን ታራን ክንጻወት ኢና ዝብል እምንቶ ስለ ዘለኒ ሓሓሳብና ነቅርብ ብድሕሪኡ ነዚ ሓላፍነት ትስከም ሺማግለ ብኹሉ ኩርናዕ ዓለም ከከም ኣቃማምጣና ተመዚዛ ስራሓ ክትጅምር ዝብል ራኢ ኣሎኒ።

ካብዚ ሓሊፉ ተሪፉ ንዘዚ ዕድል ተጠቒመ ንኽሎም ማሕበር ተጋደልቲ ደንካልያ ብዘይ ጾታ ፍልልይ ብሓበራ ሰላምታይ የማሓላልፍ ኣበይ ኣለና፤ እንኽተሎ እምነት፤ መርገጽ ብዘይ የገድስ ልዕሊ ኹሉ ዝነበረና ብጻይነት ቀዳማይ ሰሪዕና ርክብና ኣብ ማሕበር ምውሳእና ኣገዳስነት ውጺኢታዊ ምዃኑ አየ ዝሪኢ መርገጽናን እምነትናን ኣኣብ ቦቱኡ ኸሎ ናይ ኢሂን ሚሂን ርክብና ቀጻሊ ይኹን ክብል ሓጻር ሓሳበይ ኣብዚ ይዛዝም ንመጻኢ ግና ተዋሳኢ ናይዚ ማሕበር ኮይነ ብኸምዚ መልክዕ ሓሳበይ ክገልጽ እየ እናበልኩ ናታትኩም ሓሳባት ክኣ ብሃረርታ ክካታተል አየ የቀንየለይ።

ሓው ሰመረ ፍስሃየ ደጋጊመ እና ኣመስገንኩ ኢየ በቲ ትገብሮ ዘለኻ

ካብ ገብርሂወት (ኣቡሸዓሰራ)

U.S.A