By Semere Fessehaye
ዝተናፈቕኩም ብጾት ዳንካልያ ከመይ ትኾኑ?

ድሃይ ካብ ዘጥፍእ ነዊሕ ኮይኑ።
እሞ መዓልቲ ኣቶኹ ትብል ኣላ።

በሉ ኣነን ገባርን (ገበሪሂወት) ኣንስትና ገዲፍና ንመጽእ ስል ዘሎና፣
መእተዊ እንተኾነና ብማለት እዘን ዝስዕባ ነጥብታት ሒዝና ንመጸኩም ኣሎና።
  1. ካብ ሕጂ ንንዮ ኣብ ወብ ሳይትና ዝርክቡ ኣገደስቲ ነገራት ኣብ ናይ ኢድ ተለፎንኩም ክትረኽብዎም ከምእትኽእሉ ገይረ ኣሎኹ።
  2. እዚ ክብል ከሎኹ ግን፣ ኣብ ኣንድሮይድ (Android) ዝብሃል ሲስተም ዘለወን ናይ ኢድ ተለፎን ጥራይ እየን ዝቕበልኦ።
  3. ኣብ ወብ ሳይትና እትረኽብዎም ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም፣
    1. ሊስታ ኣባላት፣ ምስ ተለፎንን ኢመአይልን። ኣብ ልዕሊ መስመር ናይ ሓደ ኣባል ጠዊቕኩም ቁሩብ ምስ ጸናሕኩም፣ ተለፎን ደውል፣ ኢመይል ልኣኽ ዝብል ምርጫ ትህበኩም።
    2. ነተን ናይ መወዳእታ 15 ጽሑፋት፣ ከም መጽሓፍ እትግንጽሉ ዘለኹም ገይራ ተቕርብልኩም።
    3. ናይ መወዳእታን ኣገዳሲትን ክኣ እተን 5 ቪደዮታት ናይ ሎዛን ብሊስታ ኣቕሪባ ከከም ዝመረጽኩሞ ተጻውትኩም።

ነዚ ንምርካብ ክኣ ኣብ ወብ ሳይትና ኣስፊረዮ ኣሎኹ። እትረኽብሉ ቦታ ኽኣ፣ ንኣብነት ኣብታ ቀዳመይቲ ግጽ፣ ወይ ክኣ ኣብዛ ዘለኹማ ገጽ፣ ኣብ ላዕሊ እሞ ኣብ ጸጋሙ ንስእሊ ስዉእ ዓብደል ቓድር ኮይኑ፣
ሰለስተ ብትግርኛን እንግሊዝን ዝተሓዋወሰ ጽሑፍ ዘለወን እየን።
ንሰን ክእ፣

  1. ሊስታ ኣባላት ኣብ Android
  2. ጽሑፋት ኣባላት ኣብ Android
  3. ቪደዮ ሎዛን ኣብ Android
ይብላ። እዚ ማለት ግን ብተለፎንኩም ገርኩም ኣብ ወብሳይት ትኣትዉሞ፣ ካብኡ ኢኹም ናብ ትልፎንኩም ተውርድዎ። (download) ትገብርዎ ማለተይ እየ።

ከየብዝሓልኩም ኣብዚ ከሕጽሮ። ንራኸብሉ ጊዝየ ስለ ዝኣኸለ እቶም ዝያዳ መግለጺ ትደልዩ እብ ቪስቫድን ምስተራኸብና ብዝያዳ ክገልጸልኩም እየ።

ብሰላምን ጥዕናን የራኽበና።

ሓውኹም ሰመረ ፍስሃየ።