By Goitom Mebrahtu

ኩሉኹም ሰበይ፡ ሰብ ቀደመይ፡መቓልስተይ፡ ደሓን ክትህልዉለይ ብጣዕሚ እየ ዝምነ፡፡
አበይ ተሸሪብካ ደአ ከሪምካ ከይበልኩም ምዉቕ ሕውነታዊ ሰላምታይ ተቐበሉኒ በጃኹም።
ሓው መስፍን ብሓብትና ሮማ አቢሉ ካብ ዝድውለለይ እካ እንሆ ዳርጋ ወርሑ ሓሊፉ አሎ። ብዝኾነ ሎሚ አብዚ ብሳላ ሓው ሰመረ ፍስሃየ ዝረኸብናዮ ሃብታም መራኸቢ ምስ አቶኹ እየ ከም ዝጠፋእኩ ፈሊጠ።
ብዝኾነ-
ንሓው ዮውሃንስ ሎሚ ምድዋል ሓዘንኩም አይትረስዑ ክኾነኒ እዩ እንተ አባጅጎ / አማሊኤል ጽንዓቱ ለጊሱሉ ክኸውን ግና ምንዮተይ እዩ።
ብዛዕባ ናይ ሎሚ'ዘበን ርክብና አብ ቪዝ-ቫደን (ገብረብረሃን ዝነብረላ ዓዲ) ክኸውን ምኻኑ ተረዲኡኒ፤ እንተ'ኾነ ተጋጊየ እንተ'ዘይ ሃሊየ quot;(ዕለት ምርኻብናነሓሰካብዕለት08 ክሳብዕለት11 (August 08-11. 2014) ክኸውንተመዲቡኣሎ።)quot; ሕማቕ አጋጣሚ ኮይኑ እቲ ዕለት ልክዕ እቲ አብ ፍራንክ'ፈርት ዝካየድ ፈስቲቫል ዝውዕለሉ ኮይኑ አሎ።

እዚ ድማ ካብ ሰራዕቲ መደብ ብኽሊቲኡ ሸነኻት አይኮነን፡ እንታይ ደአ እቶም አመሓደርቲ እቲ ፈስቲቫል ዝግበረሉ (ዩኒቨርሲቲ) አብቲ ልሙድ መዓልቲ (ቀዳማይ መወዳእታ ሰሙን ናይ አውጎስት) ናትና ጉዳይ ክነካይደሉ ኢና ስለ ዝበሉ እዩ። እንታይ ከም እንገብር ክንሪ'እዮ ኢና። ብዝተረፈ ንኹልና ርሑስ በዓል አፋሲካ ክገብረልና እምነ።