By Baire Sereke
26.01.2014
ኣገዳሲ ሓበሬታ ንኣባላት ማሕበር ዳንካልያ
ብመጀመርያ ኩሉኹም ኣባላት ማሕበር ምስ ሙሉኣት ስድራ-ቤትኩም ብሰላምን ብጥዕናን ናብ ዓመተ-2014 ተሰጋጊርኩም ክትኮኑ፡ ዝተረፈና ኣዋርሕ ናይዚ ዓመትውን ጥዕናን ሓጎስን ከሰንየና ሽማግለ ማሕበር ብልቢ ትምነ።
ርኽክባትና ናይ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሉዛን ብዛዕባ ናይ 2014 ዳግም ርክብና ንምውሳን ዝገበርናዮ ውዱእን ብሱልን ከምዘይነበረ ኩሉና ንዝክሮ ኢዩ። ደጊምና ኣብ መርዓ እንዳ መልኣከ መብዛሕትና እኳ ተራኺብና እንተነበርና፡ ውራይ ኣዋሲንካ ጊዜ ወሲድካ ትዘራረበሉ ምቹእ ጊዜ ስለዘይነበረ፡ በታ ኣብ መወዳእታ ብጻይና ሰመረ ንሎሚ ዓመት ኣብ ዳርምሽታት ንግበሮ ን2015 ከኣ ኣብኡ ረጊእና ንዘራረበሉ እትብል ርእይቶ ድሕሪ ምስማዕ፡ መብዛሕትኡ ዝተረኽበ ኣባል ከኣ ;በሉ ሽማግለ ርእይቶታት ኣባላት ኣኪብኩም ባዕልኹም ወስንዎ ተበሃሂልና ኢና ተፋኒና። ብዘርጠብጠብ ዝመጸና ናይ ኣብዝሓ ኣባላት ርእይቶ እውን ከምታ ናይ ብጻይና ሰመረ፡ ንሎሚ ኣብ ዳርምሽታት ይኹን ንዝመጽእ ከኣ ኣብኡ ንዘራረበሉ ዝብል ስለዝኾነ፡ ሽማግለ ማሕበር ናይ 2014 ዓመታዊ ርክብና ኣብ ዳርምታት ክኸውን ወሲና ኣላ።
ዕለት ምርኻብና ነሓሰ ካብ ዕለት 08 ክሳብ ዕለት 11 (August 08-11. 2014) ክኸውን ተመዲቡ ኣሎ። ስለዚ ኩልና ናይ ዕረፍቲ ጊዜና ምስዚ ዕለትዚ ከነጠዓዕም ተስፋ ንገብር። ብተወሳኺ፡ እዚ ዓመትዚ ከምቲ ዝሓለፈ ዓመታት ናይ ተሳተፍቲ ኣባላት ግምት ወሲድና ክንሕዝ ስለዘይኮና፡ ኩሉኹም ናይ ሎሚ ዓመት ተሳተፍቲ ክሳብ መወዳእታ ለካቲት (28.02.2014) ተሳታፍነትኩም ንሓደ ካብ ኣባላት ማሕበር ብስልኪ ይኹን ብመይል ክትሕብሩ ብጥብቂ ነተሓሳስብ። እቲ ዝተሓዝ ቦታ ብመጠን ዝተዋህበና ቁጽሪ ስለዝኸውን ከኣ እቶም ድሒርኩም ዝወሰንኩምን ዘይሓበርኩምን ብቐጥታ ምስ ዋናታት ሆቴል ጥራይ ኢኹም ክትራኸቡ ዕድል ዘለኩም።
ክሳብ ቀጻሊ ሓበሬታ:
ደጊምና ሰናይ ዓመት 2014 ንምነ።
ሽማግለ ማሕበር