By Semere Fessehaye

ርሑስ ብዓል ልደትን ንዓና ዝኸውን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና፡፡

ካብ ኤርትራ ዝመጸትኒ ናይ ርሑስ ብዓል ልደትን ሓድሽ ብዓል ዓመትን ትምኒት
እትገልጽ ካርተሊኖ ደስ ስለ ዘበለትኒ፡ ከካፍለኩም ብምባል ኣብታ ቀዳመይቲ
ገጽ ኣስፊረያ ኣለኹ፡፡ የዕቢኹም መታን ክትርእዩዋ፡ ኣብታ ስእሊ ጠውቑ፡፡

ብተወሳኺ ብጸይ ኣረፋይነ እሰቲፋኖስ ዝልኣኸለይ ስእሊ ናይ ስዉእ ክፍለ ገብረትንሳኤ (ኣብ ብሕቲ ተሰዊኡ)
ኣብተን ዝቀያየራ ስእልታትን ኣብ ናይ ስዉኣትና መጽሓፍን ኣስፊረያ ኣሎኹ፡፡

በሉ ንዓመታ፡ እንተኾነ ኣብ ማዕባለ ንራኸብ ንኸውን፡ እንተዘይቀንዐ ኽኣ ሽማግለ ኣብ ዝሓበረትና
ቦታ ንኽንራኸብ ዘሎኒ ትምኒትን ህርፋንን እንዳገለጽኩ ብሰላም የራኽበና እብለኩም፡፡

ሓውኹም ሰመረ ፍስሃየ