By Semere Fessehaye
ዝተናፈቕኩም ብጾት ዳንካልያ ከመይ ትኾኑ? እንራኸበሉ ዕለት እናቐረበ ይመጽእ ኣሎ።
ክብረትን ምስጋናን ንሽማግለ ማሕበር ይኹን። ምኽንያቱ ሰለስተ ዓመት ኣብ ዳርምሽታት (ጀርመን) ከተራኽበና ድሕሪ ምጽንሓ
እንሆ ኽእ ሎም ዓመት ኣብ ሎዛን (ሰዊዘርላንድ) ንኽንራኸብ ዘድሊ ምንቅስቓሳት ድሕሪ ምክያድ ዘድሊ ሓበረታታት ሂባትና ትርከብ።
ብሕጂ እውን የድሊ እዩ እትብሎ ሓበረታ እንተልዩ ካብ ምሕባርና ከም ዘይትቑጠብ ዝሓለፈ ተመኩሮኣ ኣመስኪሩ እዩ።
እንዳ የውሃንስ (ጆን) እውን መጺኹምልናዶ ክንጽበየኩም እንዳበሉ ንኽቕበሉና ኣብ ሸበድበድ ምባል ይርከቡ ኣለዉ ዝብል ወረ ረኺበ።
ናይ ሎሚ ዓመት ርክብና ብዓል ወዲ ሓንኪሽ ተወልደ ብላታ ሓድሽ ወዲ ገብረ ዘለዉዎ ኮይኑ ጉዕዞ ቃልስና ኣብ ዳንካልያ ብዋዛን ቁም ነገርን ከነዋጋዓሉ
ይርኣየኒ ኣሎ።

ሓዉኹም ሰመረ ፍስሃየ