By Baire Sereke
ናብ ዝኸበርኩም ብጾት ናስ ዳንካልያ
ሕራይዶ ቀኒኹም ምስ እትፈትውዎም ስድራ-ቤትኩም። ክራማት ደሓንዶ ትሰግርዎ ኣለኹም። እቲ ምውራቕ እኳ ዳርጋ ተሪፉ ኢዩ። እምበር ንእሽቶይ ሕንጥጥ ኣቢልካ ደሃይ ቀደም ክትተሓተት ከመይ ጽቡቕ ኢዩ ነይሩ።
በሉ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዛዕባ ናይ ሎሚ ዓመት ኣብ ስዊዘርላንድ ምርኻብና ብዝምልከት፡ ቁጽሪ ሰባት ንምፍላጥ ክሳብ ዕለት 15.02.2013 ክትሕብሩና ሓቲትን ከምዝነበርና ዝዝከር ኢዩ። ብኡ መሰረት ከኣ ሽማግለ ኣብዚ ዝተባህለ ዕለት ተራኺብና ኔርና። ክሳብ ሕጂ ዝበጽሓና ቁጽሪ ጸብጺብና ቦታ ኣብ ምሓዝ ኣሎና። ምናልባት ዝስዕብ እንተሃልዩ ግን ኣብዘን ክልተ መዓልትታት ንኣረፋይነ መስፉን ብስልኪ ክትሕብርዎ ነዘኻኽር።
ብዝተረፈ ሰላምን ጥዕናን ኣብ ዘዘለናዮ ከሰንየና እናተመኔና። ብሰላም የራኽበና።
ሽማግለ ማሕበር ዳንካልያ